Made In Eritrea

Made In Eritrea

Share

ኤርትራ ንኤርትራውያን ብኤርትራውን

Photos from Made In Eritrea 's post 07/06/2026

ማራቶን ኣስመራ

ናዝሬት ወልዱ ዕዉትቲ ፍርቂ ማራቶን ኮይና

ሕጂ ኣብ ዝተዛዘመ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኣስመራ ኣባል ክለብ ሰቲት ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ ኣላ።

ናዝሬት ኣብ ናይ ጥንስን ሕርስን ዕረፍቲ ስለዝነበረት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ሎሚ ንፈለማ ግዜኣ እያ ኣብ ውድድር ትኣቱ ዘላ።

36 ዓመታ ረጊጻ ዘላ ናዝሬት ካብ በዓል ቤታ ኣሰልጣኒ ክለብ ሰቲት ሊቪንግስቶን ኣብርሃም ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ቈልዓ ከምዝወለደት ይፍለጥ።

ኣብ ዝበዝሕ ድስፕሊናት ደቀንስትዮ ወናኒት ሃገራዊ ሪከርድታት ኮይና እትርከብ ናዝሬት ቅድሚ ዓሚ ኣብ ሻምፕዮን ማራቶን ዓለም ፖድዩም ንስክላ ኣምሊጡዋ ራብዓይቲ ወጺኣ ነይራ።

12/04/2026
09/04/2026

ጓል ኣእምሮኣ ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ወረታትን ክመልእ ከሎ ንነብሳ ክትቆጻጸር ከም ዘይትኽእል ኣብ ጭንቀት ከም እትበጽሕ ኣርእዩና። እተን "ዓሻ" ጓል ዝፍለጠለን 5 ነጥብታት፤

1-ምስጢር ዘይምሕላው (ቃል ዘይምሕላው)

ሸለልተኛ ጓል ምስጢር ውሽጣዊ ቤታኣ፡ መጻምድታ ወይ መሓዙታ ኣብ ከብዳ ክትሕዞ ኣይትኽእልን እያ። ንኹሉ ሰብ ብቐሊሉ ወይ ብማሕበራዊ መራኸቢታት (ፌስቡክ፡ ቲክቶክ) ትዛረብ። እዚ ኣብ መወዳእታ ንነብሳን ንስድራቤታን ሕፍረት የምጽኣላ።

2-ብወረታትን ወረታትን ዝምራሕ

ኣብ ክንዲ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣእምሮ ተጠቒማ ንምርዳእ፡ ሰባት "ተባሂሉ" ኢሎምዋ ዝብል ወረታት ሰሚዓ ስጉምቲ ትወስድ ጥራይ። ምስ ሰብ ትበኣስ ወይ ሓቂ ድዩ ኣይኮነን ከይፈተሸት ውሳነታት ትሓልፍ። እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ስእሊ ንርእዮ ዘለና ጣዕሳን ብልሽውናን ይመጣጠን።

3-ዋጋ ግዜን ክብርን ዘይምፍላጥ

ዝበዝሕ ግዜኣ ኣብ ዘይጠቅም ናይ ኢንተርነት ዕላልን ህይወት ሰባት ኣብ ምክትታልን’ያ ትውዕል። ንርእሳ ክትሃንጽ፡ ክትመሃር ወይ ስድራኣ ክትከናኸን ዘለዋ ወርቃዊ ግዜ ስለ እተባኽን’ያ ዓወት ክትረክብ ኣይትኽእልን።

4-ብመልክዕ ምትላል

ብቐሊሉ ብናይ ሓሶት ቅዲ ኣብ ኢንተርነት ወይ ብጥዑም ዘረባ ሰባት ትታለል። ሰብ ኩሉ ግዜ ቅኑዕ ስለ ዝመስለካ ነቶም ክጥቅዑ ዝደልዩ ቀሊል ግዳይ ትኸውን እሞ ብነቐፌታዊ ቡቲክን ፌስቡክን ኣቢሉ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝመጽእ ናእዳ ትድነቕን ትሕጎስን::

5-ንስምዒት ምግዛእ (ብስምዒት ዝምራሕ)

ኣብ ክንዲ ብኣእምሮኣ ትሓስብ ብስምዒታ ትምራሕ። ክትሓርቕ ከላ እንታይ ከም እትብል ኣይትፈልጥን’ያ፡ ምስ ተሓጐሰት ድማ ከም ዘይትፍጽሞ መብጽዓታት ትኣቱ። እዚ ድማ ንህይወታ ዝተሓላለኸን ሰላምን ይገብሮ።

ብሓፈሻ፡ እቲ መልእኽቲ "ሓንጎልካ ንማሕበራዊ መራኸቢታትን ወረታትን እንተሂብካያ ንነብስኻ ክትመርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ" ዝብል እዩ።

Photos from Made In Eritrea 's post 05/07/2025

እቲ ጅግና ብንያም ጻዕዳ ማልያ ድማ ኣልቢሱና።
ኣዚ ማልያታት ኣብ ዝባን ቢኒ ጥራሕ ትዝኾውን፣
ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ሰብ።

ጌና ኩሉ ሕብርታት ከግዝመና ኢዩ እዚ ኣምበሳ 💪💪❤❤

ዘሐብን'ዩ ። ሎሚ ብጫ ክትኮነሉ ኔሩዋ ጋንታ IWA ኣይሓገዘቶን። ብዝኾነ Congrates Bini , Eritreans And all Africans

Photos from Made In Eritrea 's post 15/04/2025

ጽገ ተኽለሰንበት(ብጫ)መን እያ?

ስነ-ጥበበኛ ጽገ ካብ ኣቡአ ኣቶ ተኽለሰንበት ኪዳነን፡ካብ ኣዲአ ወይዘሮ ገሪማ ተፈርን፡ኣብ 1963 ዓመተ-ምህረት ኣብ ኣስመራ ሰኒታ ተወሊዳ፡፡ዕድሚአ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ መባእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣማኒኤል ቀዳማይን፡ካልአይን፡ክፍሊ ምስ ተማህረት፡ብድሕሪ እዚ ናብ ኣኽርያ እንዳ ሽወደን ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ብምቕያር ትምህርታ ክትቅጽል እንከላ፡ናብ ቤት ትምህርቲ እንዳ ገብሪኤል ብምቕያር ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ድሕሪ ምምሃራ፡ካልአይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ መረብ ተማሂራ፡፡

ኣብ 1978 ንሜዳ ብምዉጻእ ድሕሪ ግቡእ ወታሃደራዉን፡ፖሊትካዉን፡ታዕሊም ምዉሳዳ ኣብ ብርጌድ 23 ተወዚዓ ዉድባዊ ግቡአታ ክትፍጸም ጀመረት፡፡ብዝነበራ ሕዱር ክእለት ናይ ስነ-ጥበብ ፈለማ ኣብ እንዳ 81 ክትሳሓብ እንከላ፡ጸኒሓ ናብ እንዳ 84 ተሳሒባ፡ክእለታ ኣዝዩ ዘደንቕ ስለዝነበረ ኣብ መወዳእታ ናብ ጨንፈር ማእከላይ ባህሊ ወይ ባህሊ ዉዱብ ተሳሒባ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣዝዩ ተዘካሪ ስራሕ ኣፍረየት፡፡

ጽገ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ደርፍን፡ድራማን፡ክትነጥፍ ጀመረት፡፡እታ ድሕሪ ናጽነት ዝደረፈታ ደርፊ"ስየ ለይለይ"ክሳብ ሎሚ ካብ እዝኒ ሰማዕቲ ኣይሃሰሰትን፡፡ጽገ ኣደይ ብጫ ጌና ብንእሽትአ እንከላ እያ ኣብ ገጀረት ሳንፍራንቸስኮ እንዳ ሶራ ምድራፍን፡ምዉሳእን፡ጀሚራ፡፡ጽገ ኣደይ ብጫ ብዙሓት ተዘከርቲ ዕዮታት ዝሰረሓት እያ፡ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡ማይ፡ንእሽቶ ሓወይ ክንዲ ሓሙተይ፡ትማሊ፡.,.ወዘተ ኣዝዩ ብዙሕ ስራሓት እያ ሰሪሓ፡፡ጽገ ኣዝያ መሃዚት፡ንዝሓዘቶ ጠባይ ልዑል መሃዝነት እተንጸባርቕ፡ጠባያታ በበይነን ክኾና ከይተሓዋወሳአ ብምስትዉዓል ትሰርሕ፡ኮይና እምበር መሲላ ዘይትቐርብ ኣርሓ ስነ-ጥበበኛ ተዋሳኢት እያ፡፡ጽገ ኣደ ሓንቲ ዉልድቲ እያ፡፡ጓላ እዉን ሃብሪማ ኣሰር ኣዲአ ሒዛ ንፍዕቲ ተዋሳኢት ኮይና ኣላ፡፡ጽገ ኣደይ ብጫ ኣብ ማሕበራዊ ሂውታ ኣዝያ ሕዉስቲ፡ተጫራቒት፡ምሕብርቲ ሰብ እያ፡፡ንጽገ ዕድመ ጥዕናን ይምነየላ፡፡
Quada quadinoy
ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ
ዕለት፡14-04-2025
ኣስመራ

09/02/2025

ኣብ ኣልጄራ ተኣምር ይስራሕ ኣሎ !

ውዕሎ እቶም ሓደሽቲ ከዋኽብቲ

ሎሚ ሰንበተ-ኪዳን 9 የካቲት ዙር ኣልጄራ 2025 ብተኣምራዊ ዓወታት ኤርትራውያን ውልዶ ከዋኽብቲ ብወግዒ መጋረጁኡ ከፊቱ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ 1ይ መድረኽ 104 ኪሜ ዝሸፈነ ውድድር ኣብ ሞንጎ ነጥቢ ዝውህባ ናይ ቅጽበታዊ ውድድራት ተዳልየን ኔረን። 2 ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር 2ተ ከኣ ናይ ዓቐብ ቅጽበታዊ ውድድር። ንብሙሉአን ከኣ እዞም ውልዶ ነኣሽቱ ደቂ-ምድረ-ባሕሪ" ንዓበይትን ፕሮፌሽናላትን ተቐዳደምቲ ኣላሽ ኣቢሎም ተዓዊተሙለን እዮም።

🏆 1ይቲ ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 1ይይ💪💪🇪🇷✊

🏆ቀዳመይቲ ናይ ዓቐብ ቅጽበታዊ ውድድር 1ይይ 🇪🇷🇪🇷💪💪✊

🏆 ካልአይቲ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 1ይይ ✊💪💪🇪🇷

🏆 ካልአይቲ ናይ ዓቐብ ቅጽበታዊ ውድድር ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 1ይ 💪💪🇪🇷✊

👉🏆ኣብ መወዳእታ ውድድር ኣብ ዝተገብረ ቅጽበታዊ ውድድር ከኣ 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ዓቢ ዓወት ተጎናጺፉ። 💪💪✊✊🇪🇷

👉🏆ብሓፈሻ ኣብ ናይ ዓቐብ ናይ ዓቐብ ማልያ ኣብ ዝባኑ ኣንቢርዋ ኣሎ።

👉🏆ኣብ ናይ ግዜ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ከኣ ጻዕዳ ናይ መንእሰያት ማልያ ወኒንዋ ኣሎ።

🙋ኣነ ብዘይ ቀልዓለም ኣስደሚሙኒ'ዩ ዘሎ🙆🙆 ብምለኦም ትሕቲ ዕድመ ክንሶም እሞ ከኣ ዋላ ሓደ ተመኩሮ ዘለዎ ዘይብሎም ኩሎም ናይ ውሽጢ ሃገር ተቐዳደምቲ ክንሶም እሞ ከኣ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ኣንጻር ዓበይትን ፕሮፌሽናላትን ተቐዳደምቲ ገጢሞም ከምዚ ዓይነት ተኣምር ከንጸባርቑ ብምብቀዖም እንድዒ በቃ ተገሪመ🙆🙆

🙋ደቂ-ሪመይ 🇪🇷እስከ ኩሉ ኤርትራዊ እዚ ተኣምራዊ ዓወታት ክበጽሖ share like share በልዎ

Photos from Made In Eritrea 's post 18/01/2025

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መክፈቲ ቅድድም ብሽኽለታ VILLAWOOD
MEN'S CLASSIC ኣብ ናይ መዛዘሚ ውድድር ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ዓቢ ናይ ምውደቅ ሓደጋ ኣጋጢሙ ። ተቀዳደምቲ ሄኖክ ሙሉብርሃን :ናትናኤል ተስፋጽዮን መበል 42 : 134 ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ብሰላም ወዴኦም አለዉ :: ኣብ መጨረሽታ ዝተኻየደ ቮላታ (ቅጽበታዊ ወድድር) አውስትሪያላዊ ሳም ዌልስፎርድ ተዓዊቱሉ 🇦🇺🏆

🥇 WELSFORD Sam 🇦🇺
🥈 UHLIG Henri 🇩🇪
🥉 BRENNAN Matthew 🇬🇧

📸 world Racing
ንእዋናዊ ዜና ስፖርት ነዛ Page FOLLOW ዝበልኹማ እና መስገንኩ ! እቶም FOLLOW ዘይበልኩማ ደለኩም FOLLOW ብምባል ስድራቤት ናይዛ PAGE ክትኮኑ የዘኻኽረኩም !

https://www.facebook.com/share/1XRhHc2MNf/

Photos from Made In Eritrea 's post 12/01/2025

Rhus gama Rodi shkor rhus gama eske nbela neza shkor haftna 🇪🇷🇪🇷🇪🇷

12/01/2025

‼️🚨 "ንስዓር ኣለና ሰራዊት ሱዳን ሓገዝ ኤርትራ ኣለዎም" ሕመቲ

ኣየ ሻዕቢያ ሰዓራይ፡ ኣብ ጎንኻ ዝተጸገዕ ኩሉ ጊዜ ይዕወት።

ብኢማራት እንዳ ተሓገዘ ሰለማውያን ሰባት ዝቀዝፍ ዝነበረ ሕጂ ድማ ከቢድ ስዕረት ዝወረዶ ብሌ/ጀነራል መሓመድ ዶጎል (ሕመቲ) ዝምራሕ ሰራዊት ዳዕመል ኣልሰርዕ ሰራዊተይ ኣብ ክሉ ግንባራት ዝሰዓሩ ዘለዉ ፣ ሰራዊት ሱዳን ስንቂ ይኩን ክሉ ደገፋት ጀነራላት ኤርትራ ኣለዎም ብምባል ንኤርትራ ይከስስ ኣሎ።

በዚ ሰራዊት ሱዳን ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ዝተሰናበደት፡ መዋሊትን ኣዕጣቂትን ዳዕመል ሰሪዕ ዝኮነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኢድ ኣታውነት ጎሮባብቲ ሃገራት ኣሎ ክትብል ብግዚኣ ትከስስ ኣላ።

Category

Website

Address

Kampala